ብምኽኒያት ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ምንም ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ንምግባር ዘኽእል ነባራዊ ኩነታት የለን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽኒያት ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ምንም ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ንምግባር ዘኽእል ነባራዊ ኩነታት የለን ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ይዛዘም ኣብ ዘሎ ዓመት ብልምዓት ስርናይ ሓጋይ 107 ሚሊየን ኩንታል መእካብ ክኢሉ ኢሎም።

ብ“ሌማት ትሩፋት”ን ሓምለዋይ ኣሰርን እወንታዊ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።

ብኻሊእ መዳይ ውሽጣዊን ግዳማዊን በድሆታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምፅዋር ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ምምዝጋብ ከመዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ናብ ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታዋ ብምግላፅ ረብሕኡ እወን ኣብሪሆም።

እቲ ምምሕያሽ ቀፃልነት ዘለዎን ኩለ መዳይ ምዕባለ ንምትብባዕ ከምኡወን ዝትተለመ ምርግጋዕ ፋይናንሻል ንምምፃእ፣ ውፅኢታውነት ፕሮጀክት ልምዓትን ምምሕያሽ ኣታዊ መንግስቲን ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ምስዚ ብዝተዛመደ ዘለዉ ምድንጋራት ንምብራህ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ምሁ8ራን መብርሂ ከምዝተውሃበ ሓቢሮም።

እቲ ምምሕያሽ ብዝተተለመሉን ብዝተቐመጠሉን ኣንፈት መሰረት ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ይትግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብዝሓ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣድላይነት እቲ ምምሕያሽ ብምግንዛብ ኣብ ዘመስግነሉ ዘሎ ኩነታት ምንቅስቓስ እቲ ንግዲ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ዘይሕጋዊነትን ስሰዐን ኣብ ለዕሊ ካሊእ ብምፅዓን ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ብምግባርን ፍሪያት ንምሕባእን ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዘሎ ገሊፆም።

ይኹን እንበር እቲ ተግባር ምኽኒያታዊ ከምዘይኮነን ተቐባልነት ከምዘይብሉን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ዝጀመሮ ስራሕቲ ቁፅፅር ብምጥንኻር ተሓታትነት ሕጊ ንምርግጋፅ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ብምኽኒያት ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ምንም ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ንምግባር ዘኽእል ነባራዊ ኩነታት የለን እውን ኢሎም።

ብፌቨን ቢሻው

Comments (0)
Add Comment