ብምክትል ድሕንነት ህዝቢ ቻይና ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ብምክትል ድሕንነት ህዝቢ ቻይና ሺ ያንጁን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ይገብር ኣሎ።

ኣብቲ ዑደት፥ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሺን ሃይን፣ ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ቤይጂንግ ጃኦ ጃንሺን ከምኡወን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሪፐብሊክ ተረኺቦም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣረጋውን ኣባላት ማኔጅመንትን ዝፀንሐ ዝምድና ክልቲኦም ህዝብታት ብምዝኽኻር፥ እንቋዕ ብደሓን መፃእኹም ኢሎም።

 

Comments (0)
Add Comment