ብምክትል ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትጵያ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሪያድን ከባቢኣን ምስ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምክትል ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትጵያ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሪያድን ከባቢኣን ምስ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ተዛቲዩ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት፣ ብኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትጵያ እናተሰርሑ ዝርከቡ ዋና ዋና ስራሕቲን ኣብ ጉዳይ ዜጋታትን ብምትኳር ኢዩ ልዝብ ኣካይዱ ዘሎ፡፡
ኣብ ሪያድን ከባቢኣን ዝርከቡ ኣባላት ዳያስፖራ፥ ሕጊ ንምኽባር ኣብ ግምባር ልዑል ተጋድሎ እናፈፀመ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኃል ሃገር 72 ሺሕን 500 ሪያል ሓገዝ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ 42 ሺሕን 700 ሪያል ድማ ቃል ተኣቲዩ፡፡
ምተመሳሳሊ መልክዑ፥ ኣብ ከባቢ ጅዳን ከባቢኣን ዝነብሩ ኣባላት ዳያስፖራ እውን ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓገዝ ገይሮም።
እቲ ጉጅለ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ፃንሒቱ፥ ምስ ሓለፍቲን ዲፕሎማሰኛታትን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድን ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ቆንስላ ጀነራል ጅዳን፣ ኣብ ጅዳን ከባቢኣን ምስ ዝነብሩ ተወከልቲ ኮሙዩኒቲ ማሕበረሰብ፣ ምስ ቦርድ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ዓለም ለኸ ኮሙዩኒቲ ጅዳ፣ ምስ ሰብ መዚ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ፣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማእኸል መዕቖቢ ሽሜ ጅዳን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ማእኸላት መፅንሒ ዋፊድ ሪያድን ተዛቲዩ።
ኣብ ቀፃሊ ድማ ምስ ተወከልቲ ኮሙዩኒቲ ጅዳ፣ ጂዛንን መካን ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
Comments (0)
Add Comment