ብምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምንካይ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምንካይ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣያና ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ልዑል ማሕለኻ ኮይኑ ይርከብ፡፡

እቲ ፀገም ንምንካይ እተተግበረ ዝርከብ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምትካእ ስራሕ ውፅኢት እናምፀአ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ደምቢ ክዳን ሓይሊታት ፀፅታ ብውሽጢ ሃገር ናይ ምትካእ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ንተምሃሮ ኣዲስ ኣበባ ንዩኒፎርም ጥራሕ ይወፅእ ዝነበረ 37 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብውሽጢ ሃገር ብምትካእ ሸርፊ ወፃኢ ክተርፍ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ልምዓት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ስለሺ ለማ ብግደኦም÷ ኣብ ዝሓፉ ዓመታት ከውካብ ወፃኢ ይመፅኡ ዝነበሩ ክዳውንቲ ምትካእ ከምዝተኽል ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ኣፍረይቲ ፋብሪካታት ኣብዚ ስራሕ ከምዝተዋፈሩ ኣብሪሆም።

ብሃይማኖት ወንድይራድ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment