ብሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከብ ወታደራዊ ሪፈራል ሆስፒታል ዑደት ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከብ ወታደራዊ ሪፈራል ሆስፒታል ዑደት ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ዑደት ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፣ ብርጋዴር ጀነራል ጥጋቡን ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ተሳቲፎም።

እቲ ልኡኽ ኣብ ከተማ ባህርዳር ወታደራዊ እዚ ትካል ኮንስትራክሽን ሰራዊት ምክልኻል

(መኮድ) ዝርከብ ወታደራዊ ሪፈራል ሆስፒታል ከምኡ እውን ሓዱሽ ተሃኒፁ ኣብ ምዝዛም ዘሎ ዓቢዪ ሆስፒታል ተመልኪቶም።

ኣብ እዋን እቲ ዑደት ክልል ዘለል ግልጋሎት ተግባራዊ ንምግባር ዝተማልአ ግልጋሎት ኣምቡላንስ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

እቲ ትካል መሊስካ ካብ ምጥያሽ ጎድና ጎድኒ ዝተጓደሉ እታወታት ምትካእ ንኽከኣልን ኣብ ኣፀጋሚ እዋናት ብዙሕ ጉድኣት ስነ-ልቦና ዝበፅሖም ወገናት ክህልዉ ስለዝኽእሉ ብብርኪ ሃገር ማእኸል እግሪ መትከሊ እንተዝጣየሽ ዝብሉ ሓሳባት ቀሪቦም ዘተ ተዘቲዩሎም ኢዩ።

ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ንዝቐረቡ ማሕለኻታት መፍትሒ ዝእለሸሉ ኩነታት ክመዓራረን ዝተልዓሉ ጠቐምቲ ሓሳባትን ርኢቶታትን ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ከምዝወሃቦምን ንተግባራዊነቶም ብዕቱብ ከምዝሰርሕን ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment