ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ኣሜሪካ ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዙ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ምስ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ቅድሚ ሕዚ ብዝተበፅሐ ስምምዕነት መሰረት ምስ ጉጅለ ልኡኽ ግብፂን ሱዳንን ንምዝታይ ኢዩ ትማሊ ምሸት ናብ ኣሜሪካ ዝተጉዓዘ።

ኣብ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፥ ካብ ኣይተ ገዱ ብተወሳኺ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ዶ/ር ኢንጅነር ስለሽ በቀለ ሓዊሱ ላዕዎት ሰብ ሞያታት ሕጊን ምህንድስና ማይን ከምዝርከቡዎ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 28 ክሳብ 29 ጥሪ 2020 ኣብ ዝካየድ ዘተ፥ ምስ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ማዕቐፍ ሕጊ ክቕመጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ገንዘብ መንግስቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ድማ ብተዓዛቢነት ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment