ብሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ሱዳን ኦማር በሽር ማኒስ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔ ሱዳን ኦማር በሽር ማኒስ ዝምርሑ ኣባላት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ኣማሲዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ኣባላት ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚን ፅባሕን ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣድሂቡ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ላዕለዎት ኮሚቴ ፖለቲካ ስሩዕ ጉዳያት ዶብ ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment