ብሚኒስትር ገንዘብ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ዳይሬክተራት ኣፈፃሚ ስራሕ “ኣይ ኤም ኤፍ” ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ዳይሬክተራት ኣፈፃሚ ስራሕ ትካል ገንዘብ ዓለም ተዛቲዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ዳይሬክተራት ፈፀምቲ ስራሕ ኣይ ኤም ኤፍ ክዝቲ ዝኸኣለ÷ ጎድና ጎድኒ ኣብ ኣሜሪካ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ኣይኤምኤፍን ከምዝኾ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣማኸርቲ ዳይሬክተራት ፈፃሚ ስራሕ ቻይና፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ብሪታኒያን ጣሊያንን ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ፡፡

እቲ ልዝብ ኣብ ወሰንቲ ምሕዝነታት ልምዓት ትካል ገንዘብ ዓለም ዘድሃበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብፍላይ እቲ ትካል ፀገም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ኣብ ዝገብረሉ ኩነታት ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ተመልኪቱ፡፡

ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ተደራረብቲ ፅንቶታት ንኽትሓልፎም÷ ኣይ ኤም ኤፍ መሓዛ ልምዓት ክኸውን ኣብ ዝኽእለሉ ኩናታት ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment