ብሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ደ/ር ደረጀ ዱጉማ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ማእኸላት ሕክምና ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ዑደት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ደክተር ደረጀ ዱጉማ ዝተመርሐ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ዘካተተ ጉጅለ ኣብ ማእኸላት ሕክምና ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ተረኺቡ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ብዶክተር ደረጀ ዱጉማ ዝተመርሐ ጉጅለ፥ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ኤጀንሲ ኣቕረብቲ ኣፋውስ ኢትዮጵያ፣ መምርሒ ጥዕና ሰራዊት ምክልኻልን ካብ ቢሮ ጥዕና ክልል ኣምሓራን ዝተውፃእፅአ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ደሴ፣ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል መርሳ፣ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ቆቦ፣ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ወልዲያን ካልኦት ማእኸላት ሕክምናን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ ተገሊፁ።

ኣብ ስሩዕ ግልጋሎት ጥዕናን ኣብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ዝተዋፈሩ ኣካላት ፀፅታን እናተውሃበ ዝርከብ ግልጋሎት ጥዕና እውን ተመልኪቱ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፥ ካብ ኣዲስ ኣባን ካልኦት ከባቢታትን ዝተለኣኹ ሰብ ሞያታት ጥዕና ኣብ ትካላት ጥዕና ካብ ዘለዉ ሰብ ሞያታት ተዋዲዶም እናሃቡዎ ዝርከቡ ኣገልግሎት ዝድነቕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ መምርሒ ጥዕና ዝተረኸቡ ሓለፍቲ ስራሕ ብግደኦም፥ ሰብ ሞያታት ጥዕና እናሃቡዎ ዝርከቡ ሞያዊ ኣገልግሎት ልዑል ክብሪ ይግበኦም ኢሎም።

ኣብ ኩለን ትካላት ጥዕና ሕፅረት ሰብሞያታት ከምዘየለ ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኣብ ጎኒ ሰብ ሞያታት ጥዕናን ተሓከምቲን ደው ብምባል ኣድላዪ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ኩለን ትካላት መሰረታዊ ዝኾኑ መድሓኒታትን ኣቑሑት ሕክምናን ዝተማልኡሎም እንትኾኑ፥ ኣብ ዝተወሳና ትካላት ጥዕና ኣድለይቲ ዝኾኑ ተወሰኽቲ ንግልጋሎት ኦርቶፔድክስን ሃንደበታዊ ሓደጋ ሕክምናን ዝውዕሉ መሳርሒታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ካብ ማእኸል ከምዝለኣኹ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment