ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ዝተመርሐ ሉኡኽ ኣብ ማሊ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ወይዘሮ ስመኝ ውቤ ዝተመርሐ ጉጅለ ሉኡኽ ኣብ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገረ ማሊ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ኣካይዱ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ካይስ ሪጅን ሳዲዮላ ዝተብሃለ ከባቢ እታ ሃገር ዘሎ መፍረዪ ወርቂ ንምዕዛብን ብዋንኡ ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነት፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ሓለዋ ከባቢን ተተሓሒዙ ኣብ ሞንጎ እቲ ኩባኒያን ማሕበረሰብን ዘሎ ልምዲን ተሞክሮን ብምውዳድ ተግባራዊ ልምዲ ንግባር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ዑደት መስክ ብምግባር መውፅ መዓድን፣ ፋብሪካ መፍረዪ ወርቂ፣ ቦታ መፅናዕቲ ከምኡ እውን እቲ ኩባኒያ ኣብ ዘህነፆ ትካል ጥዕናን ዑደት ተገይሩ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ወይዘሮ ስመኝ ውቤ፥ ኣብቲ ዑደት ንዝተረኸቡ ናይ ወፃኢ መራኸብቲ ሓፋሽ ዕላማ እቲ ዑደት፣ ብዛዕባ ሃፍቲ መዓድንን ነዳዲን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን እቲ ልኡኽ ካብቲ ዑደት ዝረኸቦ ልምዲን ኣብ ቀፃሊ ምስቲ ኩባኒያ ብሓባር ክትግብሮም ዝግብኡ ነጥቢታትን ኣብሪሀን፡፡

እቲ ልኡኽ ብፍላይ ካብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ምምሕዳር እቲ ክልል ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ኣፈራርያ ወርቂ፣ ተረባሕነት ማሕበረሰብን ሓለዋ ከባቢን ኣመልኪቱ ልምዲን ተሞክሮን ምርካቦም ተገሊጡ፡፡

ኩባኒያ ወርቂ ኣሊይድ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ኣሶሳ ወረዳ ኩርሙክ ዲሽን ኣሻሽሬን ኣብ ዝተብሃሉ ቦታታት ብልዑል ብርኪ ክለምዑ ዝኽእሉ ክልተ ክዙን ሃፍቲ ወርቂ ምርመራ ብምግባር ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ልምዓት ንምስግጋር ፈቓድ ምፍራይ ንምውሳድ ዝተዳለወ ኩባኒያ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment