ብሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይን ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፕሮጀክት ደንዲን ወንጪ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይን ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፕሮጀክት ወንጪ ዳንዲ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ድማ ፕሮጀክት ወንጪ ዳንዲ ኣብ ዝተትሓዘሉ ትልሚ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ርኢቶኦም ዝሃቡ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ፥ እቲ ፕሮጀክት ቅድሚ ሕዚ ብዝዝነበሩ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዝደንጎየ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ስራሕ ከመዝተኣተወ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ክረምቲ ምእታዉ ዝሳለጡ ተግባራት ኣብ ምስላጥ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ስራሕቲ ቆረፃ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ብወገን መንግስቲ ስራሕቲ መገዲ፣ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮምን ክልተ ሎጃትን ከምዝስርሑ ብምሕባር፤ ካልኦት ድማ ብውልቀ ዘፈራት ከምዝስርሑ ኣብሪሆም።

እቲ ፕሮጀክት ንምዕዋት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ተወዲቡ ብምሕላው ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናተዋፅአ ከምዝኾ እውን ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ እቲ ከባቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላም ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መንግስቲ እቲ ክልል ብ4 ቢሊየን ብር “ኣጃ ዴቬሎፐር” ዝበሃል ትካል ልምዓት ብምጥያሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ስራሕቲ ልምዓት እናካየደ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment