ብመስኖ ካብ ዝለምዐ ዝራእቲ ስርናይ ልዕሊ 50 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመስኖ ካብ ዝለምዐ ዝራእቲ ስርናይ 50 ሚሊየን 864 ሺሕ 516 ኩንታል ፍርያት ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ብልምዓት መስኖ ስርናይ 3 ሚሊየን ሄክታር ብምሕራስ 120 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር÷ ክሳብ ሕዚ 2 ሚሊየን 978 ሺሕን 122 ሄክታር መሬት ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ገሊፁ፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ 1 ሚሊየን 140 ሺሕን 928 ሄክታር ብባህላዊን 359 ሺሕን 38 ሄክታር ብኮምባይነር፤ ብድምር ኣብ 1 ሚሊየን 499 ሺሕን 966 ሄክታር ዝነበረ ዝራእቲ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ 50 ሚሊየን 864 ሺሕን 516 ኩንታል ምህርቲ ከምዝተረኸበ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እቲ ልምዓት መስኖ ስርናይ እናተወገነ ዝርከብ÷ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ሲዳማ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ማእኸላይ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ዓፋር፣ ጋምቤላ፣ ሶማሌን ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment