ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጆርጂያ ብመርዛም ጋዝ ካርቦን ሞኖክሳይድ 12 ሰባት ኣብ ዝደቀስሉ ሪዞርት ህይወቶም ስኢኖም።
እቲ ኩነታት ዘጋጠመ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ስኪ ሪዞርት ከምዝኾነ ዝገለፀ ፖሊስ፥ 11 ዜጋታት ወፃኢን ሓደ ዜግነት ጆርጂያ ዘለዎ ሰብን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ገሊፁ።
መበገሲ እቲ ሓደጋ ሞት መርዛም ጋዝ ካርቦን ሞኖክሳይድ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ሪዞርት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቁራፁ ስዒቡ ብነዳዲ ዝሰርሕ ጄኔሬተር ኣገልግሎት ይህብ ከምዝነበረ ቢቢሲ ፀብፂቡ።