ብመርበብ ሓበሬታ ዝፍፀሙ ምጭብርባራትን መከላኸሊ መገዲታትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርኔት) ዕለታዊ ምንቅስቓስ ህይወት ሰባት ካብ ዝቐየሩ ክስተታት ዓለም ሓደ ኢዩ፡፡

በዚ ድማ ብኦንላይን ዕድጊታት ይፍፀሙ፤ ልውውጣት ገንዘብ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንምፍፃም ብኣካል ምርካብ እንተየድለየ ዝፍፀሙ ጉዳያት ብዙሓት ኢዮም፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ መርበብ ሓበሬታ ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ብዙሕ ዓይነት ምጭብርባራት ምግጣሞም ዘይተርፍ እንትኸውን፥ ምስራቕ መንነትን ኣብ ኦንላይን ዕድጊት ዝፍፀሙ ምጭብርባራትን ገንዘብ ንምስራቕ ዝተሓንፀፁ ኢዮም።

ንባዕልና ካብ ምንቅስቓስ ኦንላይን ኣጭበርበርቲ ንምሕላው ዝስዕቡ መገዲታት ተግባራዊ ንግበር፡-

  • ሙሉእ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምጥቃም፡- እንጥቀመሉ ኢንተርኔት ካልኦት ተወሳኺ ኣገልግሎታት ንኽህልዉዎ ምግባር ንኣብነት ሓደሽቲ ዝፍጠሩ ማልዌራትን ቫይረስን ዝዘላኸል ከምዝኾነ ምፍላጥ፤
  • ጥንኩር ናይ ይሕለፍ ቃል (ፓስዋርድ) ምጥቃም፡- ተገመትቲ ዘይኮኑን ብቁፅሪ፣ ብምልክት ከምኡ እውን ብቓላት ዝተደባለቑ ናይ ይሕለፍ-ቃላት ምጥቃምን በቢእዋኑ ምቅይያርን የድሊ፤
  • መርበብ ሓበሬት ብምጥቃም ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት እነውዕሎም ሶፍትዌራት ምዝማን፤
  • ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስትኽኻል፡- ዝተፈላለዩ ናይ ውልቀ ሓበሬታታት ብእንጥቀሞም ማሕበራዊ ሚዲያታት ካብ ምግላፅ ምቑጣብ፤
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድሕንነት ሓበሬታ እዋኑ ዝሓለወ ፍልጠት ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ምዕባይ፤
  • ምስራቕ መንነት ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ክፍፀም ከምዝኽእል ምፍላጥ፤ ንኣብነት ጉዕዞ ኣብ ንገብረሉ እዋን ናበይ ከምንኸይድ፣ ንኽንደይ ግዘ ዝኣክል ከምዝፀንሕን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ሓበሬታታት ብማሕበራዊ ሚዲያታት ካብ ምክፋል ምቑጣብ ከምዘድሊ ካብ ኢመደኣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
Comments (0)
Add Comment