ብመመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብቲ ዓውዲ እናተርኣዩ ዝነበሩ ፀገማት ምስትኽኻል ተኻኢሉ ኢዩ – ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ብመመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብቲ ዓውዲ እናተርኣዩ ዝነበሩ ፀገማት ምስትኽኻል ተኻኢሉ ኢዩ – ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እናተርኣዩ ዝነበሩ ፀገማት ምስትኽኻል ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ማሕበረሰብ ዝተለዓሉ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ብምቕራብ ምላሽና መብርሂን ሂቦም፡፡

ኣብ መብርሂኦም ድማ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምትግባር ኣድላዪ ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ስለዝተኣተወ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣብሪሆም፡፡

ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ኣብ ቀረብ ፍርያት ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ብምሕባር÷ “በዚ ድማ እናተርኣየ ዝነበረ ናህሪ ዋጋ ምንካይ ተኻኢሉ” ኢሎም፡፡

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ሞንጎ ባንኪታትን ፀሊም ዕዳጋን ዝነበረ ኣፈላላይ ሸርፊ ወፃኢ ንምስትኽኻል ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ እውን ተዛሪቦም፡፡

ናህሪ ዋጋ ከከም ውልቀሰብ ኣታዊ ዝተፈላለየ ብምዃኑ ኣታዊኦም እናወሰኸ ዝመፅአ ክፋላት ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ናብራ ዘይከጋጥሞም ከምዝኽእል ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፤ ብካሊእ መዳይ ብቀዋሚ መሃያ ዝናበሩ ዜጋታት ሕዚ እውን ምኽባር ናብራ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

እቲ ፀገም ንምስትኽኻል ምምሕያሽ መሃያ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር÷ ይኹን እምበር ኣብዚ መዳይ ሕዚ እውን ክመሓየሹ ዝግበኦም ጉዳያት ከምዘለዉ ፀሪሖም፡፡

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕዉት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ እዚ ኣጠናኺካ ክቕፅል ንምግባር ብትኹረትን ብምትሕብባርን ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ድኽነት ንምንካይ ምትሕብባር መንግስቲን ሕብረተሰብን ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

Comments (0)
Add Comment