ብሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ቅኑዕ መፍትሒ መገዲ ከምዝኾነ ቻይና ገሊፃ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ሰለስቲኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቅኑዕ መፍትሒ መገዲ ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ልኡኽ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዢ ቲያን ኣፍሊጦም።

ዢ ቲያን፥ ቻይና ኣድላይነት እቲ ግድብ ብዕሊ ትግንዘብ ኢያ ኢሎም።

ብሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ቅኑዕ መፍትሒ መገዲ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ንከይዲ እቲ ድርድር ኣድላዪ ደገፍ ክንገብር ኢና ኢሎም።

እቲ ግድብ ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ይሕዝ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፥ ቻይና እቲ ግድብ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዘለዎ ረብሓ ስለእትርዳእ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ድርድር ተተባብዕ ኢያ ኢሎም።

ንፀገማትን ጉዳያትን ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ነክርከብ ንድግፍ ኢና እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment