ብሕማም ኩሊት ዝደቀሰ ሰብ ኣምሲሎም ብሰበብ ሕክምና ገንዘብ እናኣከቡ ዝተረኸቡ 4 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ “ሚኒባስ” ተሽከርካሪት ሰብ ዘይብሉ ፍርናሽ ኣንፂፎም ብሕማም ኩሊት ዝደቀሰ ሰብ ኣምሲሎም ብሰበብ ሕክምና ገንዘብ እናኣከቡ ዝተረኸቡ ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቶም ውልቀ ሰባት ተግባር ምትላል እናፈፀሙ ዝተረኸቡ÷ ኣብ ኣዲስ ክፍለ ከተማ ወረዳ 1 ሲኒማራ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ተጠርጠርቲ ኣብ ውሽጢ “ሚኒባስ” ተሽከርካሪት ባዶ ፍርናሽ ብምንፃፍ፣ ኣብቲ ፍርናሽ ብሕማም ኩሊት ዝደቀሰ ሰብ ብምምሳልን ፎቶ ውልቀ ሰብ ብባነር ኣሕቲሞም ብምስቃልን ጎስጓስ እናገበሩ ብሰበብ ሕክምናዊ ወፃኢ ካብ ሕብረተሰብ ገንዘብ እናኣከቡ ከምዝተረኸቡ ተመልኪቱ፡፡

ኣባላት ፖሊስ እቲ ተግባር ተጠራጢሮም ብዝገበሩዎ ስራሕቲ ምርግጋፅ ኣርባዕቲኦም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ፡፡

ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ኣድላዪ ይኹን እምበር ብኣቋራፂ ንምብልፃግ ሕብረተሰብ ብምትላል ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፍፅሙ ውልቀሰባት ከምዘለዉ ምግንዛብ ከምዘድሊ ፖሊስ ምትሕስሳቡ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment