ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሔራዊ ዝተተለመሉ ክፍሊት ድጎማ ነዳጅ ንምፍፃም ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ኢትዮቴሌኮምን ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያን ዝለምዐ መተግበሪ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ።
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፣ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ታደሰ ሃይለማርያምን እቲ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሞምዎ።
ወይዘሮ ዳግማዊት ኣብቲ እዋን ምንባር ክታም ከምዝገለፀኦ፥ እቲ ዝማዕበለ መተግበሪ ክፍሊት ስራሕ ዘቕልል ኢዩ፡፡
ዘይተመዝገቡ መዕደሊ ነዳዲን ሰብ ሃፍቲ ተሸከርከርቲን ንኽምዝገቡ እውን ፀዊዐን።
ኣብቲ ኣገልግሎት ዝፍጠር ፀገም ሓገዝ ንምርካብ ብናፃ መስመር ስልኪ 9719 ብምድዋል ምርካብ ከምዝከኣል ኣገንዚበን።
ፍልፍል፦ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com