ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓድነትን ብምትሕብባርን እንትንሰርሕ ውፅኢቱ ዝወቀበ ከምዝኸውን ዓወት ኣትሌታትና ንኻሊእ መምሀሪ ኢዩ ክብል ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
እቲ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ÷ ኣብ ሃንጋሪ ከተማ ቡዳፔስት ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ከምቀደሙ ሓፍ ኢሉ ዝተውለበለበሉ መድረኽ ነይሩ፡፡
ካብ ዝተረኸበ ዓወት ንላዕሊ ድማ ዝነበረ ናይ ምትሕብባር ስራሕ ንኹሎም ኢትዮጵያዊያን ዘኹረዐ ከምዝነበረ ገሊፁ፡፡
“ሓምለዋይ ውሕጅ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ፤ ሎሚ እውን ስያሜኡ ብዝምጥን መልክዑ ኣትሌታትና ተኸታቲለን ብምእታው ታሪኽ ዓወት ሃገርና ደጊመን” ኢሉ፡፡
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮን ማራቶንን ዝተርኣየ ናይ ጉጅለ ስራሕ፣ ሕድሕዳዊ ምንባብን ምትሕግጋዝን÷ ምኽንያት ዓወት ካብ ምዃን ሓሊፉ ኢትዮጵያውያ እንትተሓባበሩ ተኣምር ክሰርሑ ከምዝኽሉ ዘመላኸተ ከምዝነበረ ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ፡፡
“ኣትሌታት ኣብ እዋን ጉያ ሓበሬታ ምልውዋጥ፣ ምትሕግጋዝን እቲ ሓደ ንኻሊእ ብምሕላውን ክሳብ መወዳእታ ብሕብረት ክጓዓዙ ክኢሎም ኢዮም” ዝበለ እቲ መግለፂ÷ “እዚ ድማ ኣትሌታታት ኣብ ጉያ ዘርአዩዎ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኢትዮጵያ ተምሳሌት ምዃና ዳግም ዘርአየ ውፅኢት ክምዝገብ ገይሩ ኢዩ” ኢሉ፡፡
ኣብቲ ውድድር ፅቡቕ ውፅኢት ዝተመዝገበሎም ይኹኑ ኢትዮጵያ ዝተሳተፈትሎም ኩሎም ውድድራት÷ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንዝግበር ውድድር ኦለፐምፒክ ስንቂ ዝኾ ተሞክሮታት ከምዝተረኸቡ እውን ገሊፁ፡፡
ኢትዮጵያ ብፃዕሮም ዓወት ዘመዝግቡ፣ ፅቡቕ ምስሊ ሃገሮም ኣጉሊሆም ዘርእዩ ደቃ ዘለዉዋ ሃገር ምዃና ሕዚ እውን ኣብ ኣደባባይ ዓለም ከምዝተርኣየ ኣብሪሁ፡፡
ኢትዮጵያ ካብ ፈተናኣ ንላዕሊ ተስፋኣ ዝለምለመ፣ ኣዎንታዊ ዓወታታት እውን ኣዚዩ ከምዝዓቢ ብዝተፈለለዩ ዓውዲታት እንተርኣየ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ÷ “ኢትዮጵያ በቢዓውዱ ዓወት ምግባራ ክትቅፅል ኢያ” ኢሉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com