ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት ትሽዓተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ )ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ኤጀርሳ ቀበሌ ቢቴ ፍሉይ ሽሙ ኪሞዬ ዝተብሃለ ከባባቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይት ትሽዓተ ሰባት ከምዝሓለፈ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

 

እቲ ሓደጋ ትማሊ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ዘጋጠመ እንትኸውን፥ 13 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ከተማ ጊንጪ ተበጊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዘት ዝነበረት ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 3 – 66394 (ኦሮ) ዝኾነት ሚኒባስ መመላለሲት ህዝቢ ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 3 – 04933 (ኣኣ) ምስ ዝኾነት ኣይሱዙ ብምግጫዋ ኢዩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፖሊስ ትራፊክ ወረዳ ለፎ ኢንስፔክተር ስለሺ ኩምሳ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ በቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ እታ ሚኒባስ ካብ ዝነበሩ ኣሽከርካሪ ሓዊሱ ትሽዓተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

 

ሹፌር ኣይሱዙ ሓዊሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል በፂሑዎም ኣብ ሆስፒታል ኣምቦ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾ እትም ኢንስፔክተር ተዛሪቦም።

 

መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/detailsኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment