ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ንሓደጋ ተፈጥሮ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ወገናት ንምሕጋዝ 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ሓገዝ ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕነት ሕብረተሰብ ሓደጋ ተፈጥሮ ብምፅዋር ናብ ንቡር ህይወቱ ንኽምለስ ንምኽኣል ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።
ቀንዲ ሽቶታት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተፀርሑ ከባቢታት ብምኽንያት ጎንፂን ክሌማዊ ለውጢን ተመዛበልቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘላቒ መፍትሒ ክረኽቡ ምግባ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ሓገዝ መንግስቲ ኣድላዪ ዝኾኑ መሰረታዊ ጠለባት ንምቕራብን ምላሽ ንመሃብን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡
እቲ ስምምዕነት ፕሮጀክት ሓገዝ ፋይናንስ÷ ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ሚኒስቴር ሕርሻን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ተፈሪሙ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com