ብሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወት 41 ፍልሰተኛታት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጣልያን ደሴት ላምፔዱሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ህይወት 41 ፍልሰተኛታት ምሕላፉ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ገሊፆም።

ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ኣርባዕተ ሰባት ንሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሓደጋ ፍልሰተኛታት ኣሳፊራ ካብ ቱኒዚያ ስፋክስ ተበጊሳ ናብ ጣሊያን እናተጓዓዘት ኣብ ዝነበረት ጃልባ ዘጋጠመ ኢዩ።

ካብ ኮትዲቭዋርን ጊኒን ዝመፅኡ ብህይወት ዝተረፉ ኣርባዕቲኦም ውልቀ ሰባት ሎሚ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ከምዝበፅሑ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን÷ ልዕሊ 1 ሺሕን 800 ሰባት ካብ ሰሜን ኣፍሪካ ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር እንትፍትኑ ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ኣውሮፓ ዝሓሸ ናብራ ንምእላሽ ንዝጓዓዙ ፍልሰተኛታት ፍልጥቲ መእተዊት ተገይራ ትቑፀር ናይ ወደብ ከተማ ቱኒዚያ ስፋክስ ካብ ጣሊያናዊት ደሴት ላምፔዱሳ ኣብ 130 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ትርከብ።

ናብታ ደሴት ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ፍልሰተኛታት ተደጋጋሚ ሓደጋ እናጋጠመ ህይወት ብዙሓት ከምዝሓልፍ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment