ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንምስፍሕፋሕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ገሊፁ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን÷ ኣብ ከተማ ገላን ሓፂነ መፂንን ኢንጂነሪንግን ኮምፕሌክስ መፍረዮን መገጣጠሚን መኪና በላይነህ ክንዴ ዑደት ኣካይዶም፡፡
ኣብቲ ዑደት ድማ በቲ ትካል ዝገጣጠሙ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ተዘዋዊሮም ከምዝተመልከቱ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣይተ በርኦ ሓሰን ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ 148 ሺሕ ኣውቶሞቢላትን 48 ሺሕ ኣውቶብሳትን ናብ ስራሕ ንምእታው እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ትልሚ ካብ ዝተትሓዘሉ ግዘ ኣቐዲሙ ምዕዋት ከምዝከኣል ብዙሓት መርኣያታት ከምዘለዉ ኣብሪሆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com