ብሓይሊ ሰብ ይኹን ብዕጥቂ ዘበናዊነት ዝተላበሰ ሰራዊት ይህነፀ ኣሎ – ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓይሊ ሰብ ይኹን ብዕጥቂ ዘበናዊነት ዝተላበሰ ሰራዊት እናተሃነፀ ከምዝኾነ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ምኽንያት ብምግባር ፓናል ምይይጥ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ እናተሃነፀ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፀላእቲ ንሰራዊትና ከይደፍሩዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ከየሓስቡዎ ዝገብርን ብሓይሊ ሰብ ይኹን ብዕጥቂ ዘበናዊነት ዝተላበሰን ብኣተሓሳስቡኡ እውን ብቑዕ ሰራዊት ይህነፅ ኣሎ፡፡

ካብ ጅግና ህዝቢ ዝወፅአ ሰራዊት ህዝባዊነቱ ሓሊዩ ታሪኽ ጅግንነት እናፀሓፈ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ፓነል ምይይጥ ሰራዊት ምክልኃል ካበይ ናበይ ዝብል ሓፂር ዳህሳስን ኣድላይነት ምኽባር መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻልን ዝብፅሑፍ ቀሪቡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ነባራትን ናይ ሕዚን ኣባላት ሰራዊትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment