ብሓባር ናይ ምልማዕ ትልሚ ኢትዮጵያን ሃገራት ክድግፈኦ እምበር ክነቕፈኦ ኣይግባእን – ኣምባሳደራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያን ትልሚ ሂብካ ምቕባልን ብሓባር ምልማዕን ሃገራት ክድግፈኦ እምበር ክነቕፈኦ ከምዘይግባእ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ፣ ቻይናን ካናዳን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ኢ/ር)÷ ጠለብ በሪ ባሕሪን ሕቶ ወደብን ኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ልዕሊ 120 ሚሊየን ህዝቢ ብመሓዝ ሰፊሕ ልምዓትን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት እናመዝገበት ንዘላ ሃገር በሪ ባሕሪ ኣዚዩ ከምዘድልያ ገሊፆም።

ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪን ብሓፈሻ ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን እቲ ዞባ ኢትዮጵያ ናይ መሪሕነት ግደኣ ንምውፃእ በሪ ባሕሪ ከምዘድልያ ኣልዒሎም፡፡

ብምዃኑ ድማ ስምምዕነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ካብ ሃገራዊ ረብሓ ሓሊፉ ኣህጉራዊ ረብሓ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ስለሺ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕነት መምርሒ ሂብካ ምቕባልን ብሓባር ምልማዕን ብዝተኸተለ መልክዑ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣካይዳ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ቅድሚት ዝህብ፤ ብሓባር ናይ ምልማዕን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነትን ትኹረት ዝገበረ ከምኡ እውን ክብሪን ረብሓን ሃገር ዘኽብር ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ብግደኦም÷ “ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሓባር ናይ ምልማዕ ዕላማ ዝተሓንገጠ ምዃኑ ኩሉ ክግንዘቦ ይግባእ” ኢሎም።

ዕላማ ምትሕብባርን ብሓባር ምልማዕን ኢትዮጵያ ሃገራት እቲ ዞባ ይኹና ሃገራት ዓለም ክድግፈኦ እምበር ክወቕሰኦ ከምዘይግባእ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ፍፁም ኣረጋ÷ መምርሒ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ልምዓት ብምጥንኻር ሓበራዊ ተረባሕነት ምርግጋፅ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብፍላይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብመሰረተ ልምዓት ጥንኩር ምትእስሳር ንኽፍጠር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment