ብሓበራዊ ቅልፅም ንኢትዮጵያና ሓምለዋይነት ምኽዳን ክቕፅል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓበራዊ ቅልፅም ንኢትዮጵያና ሓምለዋይነት ምኽዳን ክቕፅል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፥ ሓደ ዕላማ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምሽርሻር ሓመድ ብምቕናስ ፍሪያት ሕርሻ ምምሕያሽ፣ በረኻነትን ሳዕቤናቱን ምክልኻልን ሓፅቢታት ብደለል ካብ ምምላእ ምድሓን ኢዩ ኢሎም።

“ኣብ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣሰርና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ምሽርሻር ሓመድ ብዕውትነት ምትራፍ ተኻኢሉ ኢዩ” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ብሓበራዊ ቅልፅም ንኢትዮጵያና ሓምለዋይነት ምኽዳን ክቕፅል ኢዩ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment