ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል ወፍሪ ሎሚ መዓልቲ ንጎሆ ሰዓት 12 ከምዝተጀመረ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ብሓምለዋይ ኣሰር ንትውልዲ ዝመሓላለፍ ቁም ነገር ንስራሕ ኢለን።
እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ሰዓት 12 ንጎሆ ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ከምዝፀንሕ ተዛሪበን።
ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ቀዳማይ ዙር ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምዘምፀአ ሓቢረን።
ካልኣይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ብመንፅር ኢኮኖሚ፣ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ክሌማዊ ለውጢን ኣብ ምምካት ዝተፈላለዩ ሸቶታት ከምዝተቐመጥሉ ገሊፀን።
“ንፅባሕ ሎሚ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ፥ ኩሉ ክፋላት ማሕበረሰብ ንክሳተፈሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።
እቲ መርሃ ግብሪ ናይ ባዕልትና ክብረ ወሰን እነመሓይሸሉን ንትውልዲ ዝመሓላለፍ መርሃ ግብሪ እንሰርሐሉን ተግባር ኢዩ ኢለን።