ብሓላፊ ኤጀንሲ ሓበሬታን ድሕንነትን ሶማሊያ ዝተመርሐ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዳይሬክተር ጀነራል ኤጀንሲ ሓበሬታን ድሕንነትን ሶማሊያ ማሀድ ሞሓመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ብሄራዊ ኣገልግሎት ድሕንነትን ሓበሬታን ኣፍሊጡ።

እቲ ልኡኽ ንክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ላዕዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ትካላት ድሕንነትን ሓበሬታን እታ ሃገር ክጉብንያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ግብረ ራዕዲ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበሩ ሓበራዊ ምውፋራት ምስ ኣመራርሓታት ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምይይጥ ከምዝገብር እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment