ብልፅግና ፓርቲ መእንተ ትውልዲ እምበር መእንተ ምርጫ ኢሉ ኣይሰርሕን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብልፅግና ፓርቲ መእንተ ትውልዲ እምበር መእንተ ምርጫ ኢሉ ኣይሰርሕን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ።

መዛዘሚ መድረኽ ግንዛበ መርሃ ግብሪን ሕገ ደንቢን ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ “ብሓባር ናብ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ በቢብርኩ እናተኻየደ ናይ ዝፀንሐ ዘተ መዛዘሚ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ልዕሊ 10 ሺሕ መናእሰይን ተሳቲፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ “ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ዝቕፅሉ 50 ን 60 ዓመታት ምርታዕ ከቢድ ኢዩ፤ ዝኾነይኹን ኣካል ንዓይ ዋላ እነተረትዐ ንኣዋርሕ እውን እንተኾነ ካብ ኣተሓሳስባ እቲ ፓርቲ ወፃእ ንኢትዮጵያ ምምራሕ ኣይከኣልን” ኢሎም።

“ድሕረ ሐዚ ብልፅግና ብምኽሳስ ዘይኮነስ ካብቲ ፓርቲ ብምምሃርን ኣተሓሳስባታቱ ብምምሕያሽን ጥራሕ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝስራሕ” ክብሉ እውን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መናእሰይ ኣብ እዋን ምርጫ ድምፆም እምበር ህይወቶም ክግብሩ ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቦም።

ራእይ መናእሰይ ብሓይሊ ክምንዝዑ ካብ ዝኽእሉ ጉዳያት ብምርሓቕ መገዲ ምዕባለ ክኽተሉ ከምዝግባእ ድማ ተዛሪቦም።

ሰባት ኣቃቲሉን ኣረሓሒቑን ስልጣን ንምሓዝ ዝሓሰበ ኣካል እንተሃሊዩ እቲ ኣተሓሳስባ ረሳሕ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ኣተሓሳስባ ንኢትዮጵያ ስለ ዘይጠቅም መናእሰይ ክነቕሑ ከምዝግባእ ገሊፆም።

መናእሰይ ናብ ዘይተደለየ ተግባር ንክኣትዉ ዝደፋፍኡ ሓይሊታት ንባዕሎም ክሞቱ ኣይረኣዩን፤ ስለዝኾነ መናእሰይ ካርዲ ምርጫ ብምሓዝ ዝመሰሎምን ዝኣምነሉን ክመርፁ እምበር ክሞቱ ከምዘይግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማታትን ወረዳታትን ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ ኣብ ክሊ ክልሰ ሓሳብ ምድማር፣ መርሃ ግብሪን ሕገ ደንቢን ብልፅግና ፓርቲ ዓምዩቕ ዘተ ተሳሊጡ ኢዩ።

ውህደት ኢህወዴግ ብመንፅር ህንፀት ስርዓት ህብረብሄራዊ ፌዴራሊዝም እንትረአ ንኹሉ ዘካተተን ሕቶ ህዝቢ ዝምልስን ብምዃኑ ኣገዳሲ ኢዩ ዝብል ሓሳብ እቶም ተሳተፍቲ ሓሳቦም ሂቦም ኢዮም።

ብተወሳኺ እቲ ፓርቲ ህዝባዊነት፣ ዴሞክራሲያዊነት፣ ልዕልነት ሕጊ፣ ሃገራዊ ሓድነትን ሀብረ ብሄራዊ መትከላትን ዝኽተል ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ክብሪ ህዝቢን ፍትሒን ዘንግስ ትኽክለኛ ፌዴራላዊ ስርዓት ዕላዊ ዝኾነሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment