ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብልፅግና ዕላዊ ንምግባር ብመንግስቲ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ማሕበራዊ ሓቓፊነት የረጋግፁ ኣለዉ ክብለዓ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ብሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ምድላውነት ኣብ ዝቐርብ መርሃ ግብሪ ‘ኢትዮጵያ ኢን ፎከስ’ ሃገራዊ ኢኒሼቲቫት ምስ ማሕበራዊ ሓቛፍነት ዝነበሮ ግደ ዝጠመተ መብርሂ ሂበን።
ኣብ መብርሂአን፥ ኩለ መዳይ ምዕባለ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ከባቢያዊን ረብሓታት ከምዘለዎ ሓቢረን።
ኩለ መዳይ ምዕባላ ሕጉስ ናብራ፣ ማሕበራዊ ውሕስና ናይ ምርግጋፅ፣ ክብሪን ባህጊን ዕላዊ ናም ምግባር፣ ኣብ ምቹእን ዝስማዕማዕን ከባቢ ምንባር፣ ሓቛፊነትን ተረባሕነትን ምርግጋፅን ወዘተ ፅንሰ ሓሳባት ከምዝሓቁፍ ኣብሪሀን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብመሰረት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ሓቛፊን ኣሳታፊን ምዕባለ ብምምዝጋብ ማሕበራዊ ሓቛፍነት ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።
እቲ ዓወት ዕላዊ ንክኸውን መንግስቲ ናይ ፖሊስን ሕግን ማዕቐፋት መመሓየሺ ብምቕራፅ ምትግባሩ ኣዘኻኺረን።
እቶም መመሓየሺታት ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፅኡ እውን ኣብሪሀን።