ብልፅግና ብሓባር ምንባርን ምምዕባልን ይከኣል ኢዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ፓርቲ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል ሳልሳይ ዓመት ራብዓይ ዘበን ስሩዕ ኣኼብኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ የሳልጥ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፖለቲካዊን ፀፅታዊን ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ መሰረቱ ምትንታንን ምፍላጥን የድሊ ኢሎም።

እዚ ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ ፀገም ተተሓሒዙ ዝመፅአ እንበር ሐዚ ዝተፈጠረ ዘይምዃኑ ምፍላጥ የድሊ ክብሉ ገሊፆም።

ሐዚ ዘሎ ኣተናትና ፀገም፥ ስምዒት ዝተፅዓኖ፣ ሽርሒ ዝትንተነሉ ኢዩ ኢሎም።

ብብልፅግና ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት “ብደርጊ ዝምራሕ፣ ሸኔ ኢዩ፣ ዘውዳዊ ኢዩ” ካሊእን ይበሃል ነይሩ። ይኹን እንበር እዞም ኣገላልፃታት ንዓና ዘይገልፁና ግን ብስምዒት ዝግለፁ ኢዮም ብምባል ኣብሪሆም።

ንሕና ከም ፓርቲ ሃገራዊ ኣተሓሳስባን እምነትን ዘለና፣ ኣብ ሕገ ደንቢ ፓርቲና እውን ህብረ ፓርታዊ ሓድነት ምፍጣር ዝብልን ኣካታቲ ፖለቲካ ምህናፅ ዝብል ኢዩ።

ብሓባር ምንባርን ምምዕባልን ይከኣል ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ ዘለና።

ኣብ ኢትዮጵያ ፀገማት ካብ ዘበኣእሱ ሓደ ተረኽ ኢዩ፥ እዚ ድማ አዕናዊ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ካሊእ ኣተሓሳስባ፣ እምነት፣ ቋንቋ ዘይቕበል ኣሉታዊ ተረኽ ሃገር ዘፍርስ እንበር ዝሃንፅ ኣይኮነን። ስለዚ ንኹላትና ዘተኣኻኽብ፣ ሓድነት ዘፅንዕን ዘቀራርብን ተረኽ ክነምፅእ ኣለና ብምባል ገሊፆም።

ካልኣይ ፀገም ዘሎ ብዘይግቡእ መገዲ ምትሕሓዝ ወይ ምልጣፍ ዘይኮነስ ሓላፍነት ወሲድካ ምስራሕ የድሊ።

ብተወሳኺ ብብዙሕ ድኻምን ፃዕሪን ዝመፅአ ግን ምቅላል ወይ ምንኣስ እውን አዕናዊ ኢዩ ኢሎም።

ብሄራዊነት ማለት ህብረ ብሄራዊነት ብምርሳዕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንኹሉ ተቐቢላ፣ ኣሚና ኣስማዕሚዓ እትነብር ኢትዮጵያ ማለትና ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment