ብልፅግና ሃገርና ምቕፃል ዘኽእል ዘተኣማምን ሓይሊ ሰላም ምፍራይ ተኻኢሉ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ብልፅግና ሃገርና ምቕፃል ዘኽእል ዘተኣማምን ሓይሊ ሰላም ምፍራይ ተኻኢሉ ኢዩ ከብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ ቢሾፍቱ ማእኸል መረጋገፂ ድልዉነት ብምርካብ ብመከላከያ ኢንጂነሪንግ ኮርፖሬሽን ኦቨር ሆል ተገይሮም ዝተዳለዉን ብዋና መምርሒ መከላከያ ሎጀስቲክስ ብሞድፊኬሽን ተመሓይሾም ዝተሰርሑን ናይ ሰራዊት ኣፈፃፅማ ግዳጅ ዘሳልጡ ዕጥቅታት ሚካናይዝድ ጎብኒዮም።

ሰራዊትና ካብ ባዕሉ ኣቐዲሙ ንህዝብን ሃገርን ዝብል ክብሪ እቲ ትካል መሰረት ብምግባር ነህወቱ ከይሰሰዐ መስዋአትነት እናኸፈለን ሰላም እናረጋገፀን ዝርከብ ናይ ሀዝቢ ዋልታን ማእገርን ኢዩ ኢሎም።

ትካልና ዝህቦ ሃገራዊ ልኡኽ ብመሰረት ትልምና ብዘይምንም ምትዕንቐፍ ምውፃእ ዘኽእል ኣተኣማማኒ ሓይሊ ኣፍሪና ኢና እውን ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ናይ ውሽጢ ዓቕሚ ብምጥቃም ቁጠባ ወፃኢ ብዘማእኸለ መገዲ ናይ ሰራዊትና ናይ ድልውነት ብርኪ ብዝበለፀ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ናይቲ ሰራዊት ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ኣዝዮም ዘጎልብቱ ዕጥቅታት እዋን ብዝምጥን መገዲ ተመሓይሾም ዝተሰርሑ ኢዮም ምባሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንሰራዊት ብዕጥቂ ይኹን ስነ ልቦናዊ ምድላው ዘለዎ ዓቕሚ ከብ ብምባል ከም ልሙድ ንሃገር ሰላምን ንህዝቢ ድሕንነትን ጠመተ ብምሃብ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ኣተሓሳሲቦም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment