ብልዕሊ 730 ሚሊየን ብር ስራሕቲ ምምሕያሽ ናብራ ዜጋታት ከምዝተኻየደ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልዕሊ 730 ሚሊየን ብር ስራሕቲ ምምሕያሽ ናብራ ዜጋታትን ሓገዝ ገንዘብን ከምዝተገበረ ከምዝተኻየደ ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊፁ።

ብፃዕሪ መንግስቲ ካብ ወርሒ መጋቢት 2014 ዓ.ም ክሳብ መጋቢት 2015 ዓ.ም 133 ሺሕን 103 ዜጋታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ኣፈፃሚ ስራሕ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ክትትልን ደገፍን ተመለስቲ ዜጋታትን ኣይተ ደረጀ ተገይበሉ፥ ካብ 1 ሓምለ 2015 ዓ.ም ክሳብ 30 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ካብ ሱዳን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ የመንን ኦማንን 45 ሺሕን 875 ዜጋታት ብደገፍ መንግስቲ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱ ገሊፆም።

እቶም ተመለስቲ ኣገልግሎታት ስነ ልቦና፣ ማሕበራዊን ወዘተ ብምርካብ ናብ ከባቢኦም ከምዝኸዱ ንፋና ብሮድካስንቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ብዮሐንስ ደርበው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment