ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብልዕሊ 57 ሚልዮን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ተመሪቑ።
ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ፀገም መስተ ማይ ዝፈትሕ ዝፈትሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
አብ ስነስርዓት ምረቓ እቲ ፕሮጀክት÷ ሚኒስትር ዲኤታ ማይን ኢነርጅን ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ፣ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ሞገስ ገ/ሄርን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን ከምኡ እውን ክፋላት ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ተረኺቦም።
እቲ ፕሮጀክት ቢሮ ማይን ኢነርጅን እቲ ክልል ብናይ ዋን ዋሽ ፕሮግራም በጀት ብ57 ሚሊየን 999 ሺሕ ብር ከምዝተሃነፀን ንልዕሊ 7 ሺሕ ህዝቢ እታ ከተማ ግልጋሎት ከምዝህብን ተገሊፁ።