ብልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ክሳብ ሕዚ 800 ሺሕ ሄክታር ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ እዚ ዓመት ካብ ዝተሓሰበ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ክሳብ ሕዚ 800 ሺሕ ሄክታር ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ንይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን÷ ዝተማለአ እተወት መስኖ ዘለዎን ዓመት ሙሉእ ዝለምዕን መሬት 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ከምዝበፅሐ ተዛሪበን።

መንግስቲ ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ገምጋም ምንቅስቓሳት ልምዓት ሕርሻ መስኖን ክረምቲን ዝተዳህሰሱ እንትኾኑ÷ ኣብዚ ርብዒ ዓመት 17 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄከታር ኣብ ቀንዲ ቀነዲ ዝራእቲ ካብ ዝለምዑ 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝበፅሑ ዝራእቲ ፍርያት ከምዝተኣከበ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣምንቴ (ዶ/ር)÷ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ስለዘሎ ዝባፅሑ ዝራእቲ ፍርያቶም እንተይባኸነ ብምትሕብባር ብምእካብ ዝተጠናኸረ ስራሕ ከምዝቐፀለ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብመስኖ ስስርናይ ብምልማዕ 117 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምሕባር÷ ኣብዚ ርብዒ ዓመት 800 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ኣብሪሆም።

ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ንይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን÷ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ብሕርሻ ዝልምዕ መሬትን ዓቕሚ ማይን ከምዝተፈለየ ብምፅራሕ፤ ኢትዮጵያ 10 ሚሊየን ሄክታር ብዝተማለአ ልምዓት መስኖ ምልማዕ ከምዝከኣል ከምዝተፈለየ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment