ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልማታዊ ሴፍቲኔት ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ፀገማት ንዘጋጠሞም ወገናት ደገፍ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ፋንታ ደጀን፥ እቶም ወገናት ብኮቪድ 19ን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ኲናትን ጎንፀን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ 11 ከተማታት አንትግበር ዝነበረ ፕሮጀከት ሴፍቲኔት ከተማ ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ተረባሕቲ ከምዝገበረ ተገሊፁ።
ኣብ ቀፃሊ ካልኣየን ሳልሳይን ዙር ስራሕቲ ሴፍቲኔት ልዕሊ 640 ሺሕ ዜጋታት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ብቤዛዊት ከበደ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።