ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብላዕለዋይ ኣተሓባባሪ ሕብረት ኣውሮፓ ዶ/ር ስቴፋን ሎክን(ዶ/ር) ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ረሚ ማርቻ-ኩስን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር መቐለ ኣትዩ።
እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቀባባላ ገይረሙሎም።
ኣብ ፃንሒቶም፥ ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ከምዘሳልጡ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣብ ወረዳታት ክልተ አውላዕሎን ፅራእ ወንበርታን ዝርከቡ ሓረስቶት ዑደት ዘካይዱ እንትኾኑ፥ ብኲናት ንዝተሃሰዩ ሓረስቶት እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ከምዝገብሩ ተሓቢሩ።
እቲ ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ትግራይ ብፕሮጀክት ንዝሓዝወን 27 ወረዳታት ብሓገዝ ከምዝወሃብ ድማ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።