ብህወሓት ዘንፀላለወ ስግኣትን ሓደጋን ንምምካት ድሉዋት ኢና – ነበር ኣባላት ሰራዊት ወምበራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓትን መተሓብርቱን ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘንፀላለወ ስግኣትን ሓደጋን ንምምካት ድሉዋት ከምዝኾኑ ነበር ኣባላት ሰራዊት ወረዳ ወምበራ ገሊፆም።

ብኣሰናዳእነት ነበር ኣባላት ሰራዊት ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ዝድግፍ ከምኡ እውን ንህወሓትን መሻርኽን ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ወረዳ ወምበራ ተኻይዱ፡፡

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣሜሪካን ሓደሓደ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ኢድ ኣእታውነት ንምቅዋምን ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ተለኣኣኽቱ ዝኾ ሸኔን ጉህዴንን ኢሉ እውን ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ቀበሌታት ንዝተሸጎጡ ሓይሊታት ጥፍኣት ስንቂን ሓበሬታን ዘቕብሉ ኣካላት ዝቃወም ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ድጋፍ ነበር ኣባላት ሰራዊት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሃገር ካብ ፀላኢ ንምድሓን ዘቕረቡዎ ፃውዒት ስዒቡ ብዝኸኣሉዎ ዓቕሚ ዘለዎም ወታደራዊ ፍልጠትን ክእለትን ተጠቒሞም ሓይሊ ህወሓትን ተለኣኣኽቱን ንምጥፋእ ከምዝተዳለዉ ምግላፆም መራኸቢ ሓፋሽ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ፀብፂቡ፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment