ብሄራዊ ፎረም ኢንቨስትመንት ሕርሻ ሸብ ሃፍቲ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ግንዛበ ብምርካብ ንኽሰርሑ ዝሕግዝ ኢዩ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ፎረም ኢንቨስትመንት ሕርሻ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ሜካናይዜሽን ሕርሻ፣ ልምዓት መስኖ ስርናይ፣ ጥዕና ሓመድ፣ መኖ እንስሳትን ልምዓት እንስሳን እኹል ግንዛበ ብምርካብ ንኽሰርሑ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

“ዓሚቕ ዓቕሚ ዓውዲ ሕርሻ  ንጠቐም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ዝካየድ ብሄራዊ ፎረም ኢንቨስትመንት ሕርሻ ምኽንያት ብምግባር ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ልኡኽ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓት መስኖ ስርናይን ትሩፋት ሌማትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብሉፅ ተሞክሮታት ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ኢትዮጵያ ልምዲ ከምዝቐሰማ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

ኣና ኣማኻሪ ኢኮኖሚ ፋኦ ማክሲሞ ቶሬሮ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ኢዩ፤ ሓገዝ ትካላት ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ምባሎም ሓበሬታ ሚኒስቴር ሕርሻ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment