ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብኦን ላይን ንምፍታን ዝገብሮ ምድላው እናዛዘመ ምዃኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ብኦን ላይን ንምፍታን ዘኽእሎ ኣድላዪ ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ንሰብሞያታት ስልጠና ምሃብ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ድማ ፈተና ንመሃብ ዘኽእል እኹል ቀረብ መብራህቲን ኔትዎርክን ንኽህሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ብኦንላይን ዝወሃብ ፈተና ምቅድዳሕ ሙሉእ ብሙሉእ ዘትርፍ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፤። ንወረቐትን እቲ ፈተና ንምእራም ዝወፅ ዝነበረ ግዘን ገንዘብን ዘትርፍ ኢዩ።

እቲ ቴክኖሎጂ ዝተፈላለዩ ሲስተማት ዝተገጠሙሉ እንትኸውን፥ ተምሃሮ ፈተና ኣብ ዝስዱሉ እዋን ኣብ ናይባዕሎም ታብሌት ጥራሕ ከድህቡ ዝሕግዝ ሲስተም እውን ኣለዎ ተባሂሉ።

ፈተና ዝወሃበሎም ታብሌታት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ንተምሃሮ ከምዝከፋፈል ተገሊፁ።

ተምሃሮ ምሰቲ ቴክኖሎጂ ንኽፋለጡ ካብ ሰለስተ ሰሙን ዘይንእስ ግዘ ከምዝወሃቦም ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ እንተይተጨናነቑ ንፈተና ክቐርቡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment