ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት እነተውሃበ ዝነበረ ብሄራዊ ፈተና ማሕበራዊ ሳይንስ 12 ክፍሊ ብሰላምን ብዕዉት ኩነታት ከምዝተዛዘመ ግልጋሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡
ግልጋሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ÷ ኣብቲ ከይዲ ንዝተሳተፉ ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡
ተፈተንቲ ተፈጥሮ ሳይንስ ድማ ቀዳምን ሰንበትን ናብ መፈተኒ ማእኸላት (ዩኒቨርሲቲ) ከምዝኣተዉን ዝቕፀል ገለፃ (ኦሬንቴሽን) ከምዝወሃቦምን ተሓቢሩ፡፡
እቲ ፈተና÷ ካብ ሰሉስ 25 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ 28 ሓምለ 2015 ዓ.ም ከምዝወሃብ ካብቲ ግልጋሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com