ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ዘፈልፈሎም ሓበሬታታት ፀፅታ እታ ሃገር ንኽመሓየሽ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ዘፈልፈሎም ሓበሬታታት ንምውፋር ኣካላት ፀፅታ ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ፀፅታ እታ ሃገር ንኽመሓየሽ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ተገሊፁ።

እቲ ግልጋሎት ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ቤት ዕዮ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ዝመርሑዎ መድረኽ ተገምጊሙ።

ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከምዝገለፆ÷ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ድሕንነት ሃገር ዝሕልዉ ሓበሬታታት ብምፍልፋልን ንፈፀምቲ ኣካላት ኣብ ምቕራብ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተወጊኖም።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘለዉ ፀገማት ፀፅታ ኣብ ምፍታሕ እውን ሓገዝ ሓበሬታን ኦፕሬሽንን ብመሃብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ምብርካት ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

“ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ካልኦት ሃይማኖታዊን ባህላዊ ፍፃመታት ብዓወት ንኽዛዘሙን እውን ትካላዊ ግድኡ ብዝዓዘዘ ኩነታት ተዋፂኡ ኢዩ” ኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment