ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንህዝብታት ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓገዝ 100 ሚሊየን ብር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንህዝብታት ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓገዝ 100 ሚሊየን ብር ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ንምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ ኣረኪቦምዎም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ÷ ብሃብቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለ ሓድሽ ክልል ብልምዓት ተጠናኺሩ ሃብቱ ኣብ ረብሓ ንኸውዕል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀላእቲ ኢትዮጵያ ሃገር ንምጥፋእ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ብትግሃት ይሰርሑ ምህላዎም ዝገለፁ ኣይተ ሽመልስ÷ ነዚ ምምካት ዝከኣል ድማ ተሓባቢርካ ብምስራሕ ጥራይ ምዃኑ ኣረዲኦም።

“ህዝብታት ክልቲኦም ክልላት ዝነበሮም ምትእስሳር ብምጥንኻር ምስ ካልኦት ክልላት ብፅንኩር ምጉዓዝ የድሊ” ኢሎም።

ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሎሚ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከተማ ቦንጋ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment