ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ፈንቲ ረሱ ጊዚያዊ መፅለሊ ጋሊኮማ ኣብ ዝነበሩ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ብኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ብዝተፈፀመ ዘሰቅቕ ጨፍጫፍ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።
ኣብ ልዕሊ ዶብ ኢትዮጵያ ኣኽባሪ ዝኾነ ህዝቢ ዓፋር ብኣሸባሪ ህወሓት ዝተፈፀመ ወረራን ጨፍጫፍን በቲ ሓደጋ ልክዕ ምላሽ እንተዘይተዋሂቡዎ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ከምዝበፅሕ ተፈሊጡ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብናይ ሓባር ቅልፅም ናብ መቓበር ንምውራድ ኩሉ ነክለዓል ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣሸባሪን ወራሪን ትህነግ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ፈንቲ ረሱ ጊዚያዊ መፅለሊ ጋሊኮማ ኣብ ዝነበሩ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝፈፀሞ ዘሰቅቕ ጨፍጫፍ ስዒቡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ካብ ሎሚ 05 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብቲ ክልል መዓልታት ሓዘን ንክኸውን ኣዊጁ።
ብተወሳኺ ኣብ መኽዘን ተኸዚኑ ዝነበረ ሓገዝ እኽሊ ሙሉእ ብሙሉእ ዓኒዩ ኢዩ። እዚ ታሪኽ ዘይርስዖ ኣረመኒያዊ ጨፍጫፍ ህዝቢ ዓፋር ጥራሕ ዘይኮነስ መንግስቲን ኣምሓራ ዘቖጠዐን ቃልሲ ህልውና ኣጠናኺርና ካብ ምቕፃል ወፃእ ኣማራፂ ከምዘይብልና ዘገድድ ኢዩ ኢሉ።
ስለዝኾነ መንግስቲን ህዝብን ኣምሓራ ኣብ ፈንቲ ረሱ ጊዚያዊ መፅለሊ ጋሊኮማ ኣብ ዝነበሩ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ብኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ብዝተፈፀመ ዘሰቅቕ ጨፍጫፍ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።