ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ዘውፅኡዎ ፀብፃብ ከምዘይቕበሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ዘውፅኡ ፀብፃብ ከምዘይቕበሎ ገሊፁ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ “ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ዘውፅኡዎ ፀብፃብ ሚዛናዊነት ዝጎደሎ፣ ንሓደ ወገን ዘዳለወን ተኣማኒነት ዘይብሉን ከምኡ እውን ፓለቲካዊ ሻራዊነት እቶም ትካላት ዘንፀባርቕ ኢዩ” ኢሉ።

ፀብፃብ እቶም ትካላት ብኮሚሽን ሓለዋ መሰል ህዝቢታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ብቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ዝተሳለጡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ፃዕሪታት ምርመራ ዋጋ ዘስእንን ብሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ካባ ተሸፊኖም ኣብ ሰብኣዊነት ብጋህዲ ዝተፈፀመ ኢ-ሞራላዊ መጥቃዕቲ ኮይኑ ንኽረአ ከምዝገብሮ ገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቶም ፀብፃባት ንህዝቢ እቲ ክልል ሰላም ንምዕሳል ይኹን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዘይጠቕሙ ዝተሰሓሓቱ ውሳነታት ምኽንያት ብምግባር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ዘውፅኡዎ ፀብፃብ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment