ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ናዕብን ሁውከትን ዝፅሕትሩን ዝሳተፉን ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቕጠቡ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ሃገራዊን ክልላዊን ተግባር ዕንወት ብምውፋር ናዕብን ሁውከትን ዝፅሕትሩን ዝሳተፉን ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ካብ ተግባሮም ንክቕጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ሰላም ናይ ኩሉ ግዘ ብሕታዊ ኣማራፂ ኢዩ ኢሉ።

ሒደት ሓይሊታት ብቕንዕና ሃገሮም ብሽም ዘገልገሉ ሓቀኛታት ብምጥቃም ውልቃዊ ረብሐኦም ንከይቋረፅ ኣወዳድባ ዝፈጠሩሉ መሰረታዊ ዕላማ ብምዕፃውን ፖለቲካዊ ዓውዲ ብምሃብ፣ ድልየት ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ዘይኮነሉ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀፅታ መንግስቲ ፅሕተራ ብምግባር ክልልናን ሃገርናን ናብ ቅልውላው ብምውሳድ ኣብ ውሽጢን ደገን ዝተወደቡ ሓይሊታት መጥቀሚ ንምዃን ተንቀሳቒሶም ኢዮም ከብል እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ብምዃኑ ኣብ ሃገራዊን ክልላዊን ተግባር ዕንወት ብምውፋር ናዕብን ሁውከትን ዝፅሕትሩን ዝሳተፉን ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ካብ ተግባሮም ንክቕጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተሰሓሓተ ዕላማ ዝኣተዉ ፅንፈኛ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ካብ እኩይ ተግባሮም ብምቑጣብ መንግስቲ ዘቐመጦም ኣማራፅታት ሰላም ተረባሕቲ ንክኾኑ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment