ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ።
እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ፍትሓዊ ተረባሕነት ልምዓት፣ ሰላምን ስርዓት ዴሞክራሲን ህዝቢ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ሪፎርምታት ብምክያድ ትርጉም ዘለዎ ውፅኢታት ተመዝጊቡ ኢዩ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝተጀመረ ኩለ መዳይ ምዕባለ ዝነኣድ ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ጉዕዞ ከምዝነበረ ንህዝቢ እቲ ክልል ግልፂ ኢዩ ኢሉ።
ብኣንፃሩ ብሽርሒ ፖለቲካ ንብዙሕ ዓማውዲ ልምዲ ዘኻዕበተ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝሓለፉ ዓማውቲ ንኽልልና ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝተፈጠሩ ጎንፂታትን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታትን ካብ ምውዳድ፣ ምድጋፍን ብቐጥታ ምስታፍን ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዋልታ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍፃም ሉእላውነትና ኣብ ሓደጋ ንክወድቕ ገይሩ ኢዩ ኢሉ።
እዚ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኸፈተ በሪ ሰላም ብምጥሓት ተግባር ግብረ ራዕዲ ምፍፃሙ እውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ሃገር ካብ ምፍራስን ህዝ ቢ ምስ ህዝቢ ካብ ምግጫውን ብተወሳኺ ናብ ግድብ ህዳሰ ዝወስድ መገዲ ንምዕፃውን ከይዲ እቲ ህንፀት ንምትዕንቓፍን ብዕቱብ ብምስራሕ ዝተለመደ ናይ ተለኣኣኽነት ተግባሩ ይፍፅም ከምዝፀንሐ ገሊፁ።
ስለዝኾነ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዝውሰድ ዘሎ ሃገራዊ ስጉምቲ ህዝብል መንግስቲን እቲ ክልል ከምዝድግፍዎ ብምግላፅ፥ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምስላፍ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዋት ከምዝኾኑ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣረጋጊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።