ብሄራዊ ኩዕሶ እግሪ ዋሊያ ኣብ ልዕሊ ማዳጋስካር 4 ንባዶ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ምስ ማጋዳስካር ኣብ ዝገበሮ ፀወታ  ምፅራይ ዋንጫ ኣፍሪካ  4 ንባዶ ተዓዊቱ።

ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፥ ኣብ መበል 19 ደቒቓ ምስ መረበብ ማዳጋስካር ዝተራኸበት ፈላመይቲ ሸቶ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ኢዩ ኣቑፂሩዋ።

ጌታነህ ከበደ፣ ኣቡበከር ናስርን ሽመልስ በቀለን ንሕድሕዶም ብዘቑፀርዎ ሸቶ ብድምር ብሄራዊ ኩዕሶ እግሪ ዋሊያ  4 ንባዶ ተዓዊቱ።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዝተኻየደ ፀወታ 9 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ተሰሪዓ ኣላ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment