ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ግብረ ራዕዲን ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር ኲናትን ብምክልኻል ሃገራዊ ህልውና ንምርግጋፅ ልዑል እጃም ምብርካቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ግብረ ራዕዲን ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር ኲናትን ብምክልኻል ሃገራዊ ህልውና ንምርግጋፅ ልዑል እጃም ምብርካቱ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን እንተዝነፃፀሩ ስግኣት ድሕንነት ዝፈጥሩን ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ረብሓ ጉድኣት ከብፅሑ ዝኽእሉን መጥቃዕቲታት ግብረ ራዕዲ ንክመኽኑ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተዝውዝዑ ጎንፂ ከበኣእሱ ዝኽእሉ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ኣብ ቁፅፅር ንክውዕሉ ብምግባር ሃገራዊ ህልውና ንምርግጋፅ ልዑል ግደ ከምዘበርከተ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ዕዮ ዓመታዊ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ዓመተ 2012 ኣመልኪቱ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ኣብ 2012 ዓ.ም ኣልሸባብን ኣይኤስን ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘነፃፀሩ ምንቅስቓሳት እናፈፀሙ ከምዝነበሩ ገሊፁ።

እቲ ምንቅስቓስ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ዓሊሙ ኣብ ዝተገበረ ጥቡቕ ሙያዊ ክትትልን ምስ ካልኦት ትካላት ብምዃን ብዝተገበረ ልውውጥ ሓበሬታን ሽርሒታት እቲ ግብረ ራዕዲ ክፈሸል ምኽኣሉ ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ 2012 ዓ.ም 16 ኣልሸባብን 17 ኣይኤስን ብድምሩ 33 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ተልእኾታቶም ንምፍፃም ምስ ዘነፃፀርዎም ትካላት ፎቶግራፋትን ሰነዳትን ከምኡውን ተልእኾኦም ንምዕዋት ዘሰናድእዎም ነተጉቲታት ኣብ ቁፅፀር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ምንቅስቓስ ግብረ ራዕዲ ክብ ክብል ዝገብሩን ስርዓት ኣልቦነት ብምንጋስ ኣብ ልዕሊ ድሕንነትን ሰላምን ህዝቢ ስግኣት ክፈጥሩ ዝኽእሉን መሳርሒታት ኲናት ኣብ ቁፅፀር ከምዘውዓለ ብምሕባር፥ 499 ክላሽንኮቭ ጠበንጃታት፣ 27 ሺሕን 237 ሸጓጉጢ፣ 11 ቡምባታት፣ 8 መትረየስ ጠበንጃታት፣ 168 ሺሕን 241 ጠያይቲ ከምኡውን 59 ኣዘዋወርቲ ኣፅዋራት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ገሊፁ።

ብፍላይ እቲ ትካል ብዝገበሮ ጥቡቕ ሙያዊ ስራሕቲ መረዳእታ፥ መበገሲኦም ኣብ ቱርኪ ብምግባር ብወደብ ጅቡቲ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉን ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉን ግምት ዋግኦም ልዕሊ 500 ሚሊየን ብር ዝኾኑ 18 ሽሕን 32 ሸጓጉጢን ዝተፈላለዩ ናውቲታት ኤሌክትሮኒክስን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ከስዕብዎ ዝነበሩ ሓደጋ  ከምዘፍሸለ ኣዘኻኺሩ።

ኣልሸበባብን ኣይኤስን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ዓሊሞም መጠንቀቕታ ዘርእዩ መልእኽቲታት ተንቀሳቓሲ ምስሊ/ቪዲዮ ኣብ ቀረባ እዋን ምፍናዎም ኣብቲ ዝሃቦ መግለፂ ዝሓበረ እቲ ቤት ዕዮ፥  ለይቲን ቀትሪን እቲ ሓደጋ ግብረ ራዕዲ ንምፍሻል ዘኽእል ስራሕቲ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ።

ሕብረተሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝተፈለየ ምንቅስቓስ እንትርእይ ንዝምልከቶም ኣካላት ደሕንነትን ፀፅታን ሓበሬታ ንክህብ እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዓሊሙ ምስ ህዝቢ ብምውዳድ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣብ ቀፃሊ ብተኸታታሊ ከምዝገልፅ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment