ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ መርሃ ግብሪታት ምስረታ ሃገረ መንግስቲን በዓል ኢሬቻ ዘሎ ምድላው ፀፅታን ድሕንነትን ኣመልኪቱ ልዝብ ኣካይዱ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ መርሃ ግብሪታት ምስረታ ሃገረ መንግስቲን በዓል ኢሬቻ ዘሎ ምድላው ፀፅታን ድሕንነትን ኣመልኪቱ ልዝብ ኣካይዱ ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጄንስ፣ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያን ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ተሳቲፎም፡፡

ሓይሊ ፀፅታ ዝበፅሖ ብርኪ ምድላው ከምኡ እውን ኣብ ተግባር ቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ምድላዋት ኣተኲሪ ምምይጥ ገይሩ።

ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፥ “ስራሕቲ ድሕንነትን ሓበሬታን ንሓደ ትካል ጥራሕ ዝወሃብ ዘይኮነስ ሓበራዊ ስራሕ ኢዩ” ኢሎም።

ድሕሪ ለውጢ ትካላት ፀፅታ ብሓባር ምስራሕ ከምዝጀመሩ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ጄነራል፥ በዚ ድማ ብዙሓት በዓላት ብሰላምን ዕዉት ኩነታትን ምዝዛም ከምዝተኸኣለ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ዝካየዱ ስነ-ስርዓታት ምስረታ ሃገረ መንግስቲን በዓል ኢሬቻን ብዘይ ዝኾ ይኹን ፀገም ፀፅታ ብሰላም ንኽካየድ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዶክተር ሹመቴ ግዛው ብግደኦም፥ መጥቃዕቲ ሳይቨር ክፍፅ ዝደልዩ ሓይሊታት የሃልዉ እምበር ነዚ ፈተነ ሙሉእ ብሙሉአ ንምቁፅፃር ዘኽእል እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment